-
ግብሪ ሃዋርያት 9:3-8መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ በርሀ፣+ 4 ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ፣ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። 5 ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ+ የሱስ እየ።+ 6 ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፣ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እውን ኪንገረካ እዩ” በሎ። 7 እቶም ምስኡ ዚጕዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ደሃይ እናሰምዑ ኽነሶም፡ ሓደ እኳ ኸይረኣዩ፡ ተዓኒዶም ደው በሉ።+ 8 ሳውል ግና ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እኳ እንተ ኣበለ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ብኢዱ መሪሖም ከኣ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።
-