ዮሃንስ 14:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚኸውን ካልእ ሓጋዚ* ኺህበኩም እዩ፣+ ዮሃንስ 14:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ ሓጋዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ እውን ኬዘክረኩም እዩ።+ ዮሃንስ 16:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ግናኸ፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ፣ ምኻደይ ንጥቕምኹም እዩ። እንተ ዘይከይደስ፡ እቲ ሓጋዚ+ ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ፣ እንተ ኸይደ ግና፡ ንዕኡ ኽሰድደልኩም እየ።
7 ግናኸ፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ፣ ምኻደይ ንጥቕምኹም እዩ። እንተ ዘይከይደስ፡ እቲ ሓጋዚ+ ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ፣ እንተ ኸይደ ግና፡ ንዕኡ ኽሰድደልኩም እየ።