ኤፌሶን 5:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ዘድሓኖ፡ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።+ 1 ጴጥሮስ 3:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ከምኡ ድማ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣልዮም፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ+ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣+