ሮሜ 15:5, 6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም፣ 6 እዚ ድማ ሓቢርኩም+ ብሓደ ድምጺ፡* ንኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ እዩ። 2 ቈረንቶስ 13:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ቅንዑ፡* ተጸናንዑ፡+ ሓደ ሓሳብ ኩኑ፡+ ብሰላም ንበሩ፣+ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን+ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ኤፌሶን 4:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 እምበኣር፡ ኣነ ብጐይታ እሱር+ ዝዀንኩ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ+ እልምነኩም ኣለኹ፣ ኤፌሶን 4:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።+ ፊልጲ 2:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ኣልዩኩም፡* ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብኩም፡ ሓጐሰይ ምሉእ ግበርዎ።+
5 እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም፣ 6 እዚ ድማ ሓቢርኩም+ ብሓደ ድምጺ፡* ንኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ እዩ።