ማቴዎስ 5:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ከምኡ ኸኣ፡ ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡+ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡+ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።+ እብራውያን 13:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣+ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ።+ ያእቆብ 1:27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ* እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን+ ንመበለታትን+ ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን፡+ ርእስኻ ድማ ካብ ርስሓት ዓለም ምሕላው።+ 1 ዮሃንስ 3:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ግናኸ፡ ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧+
27 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ* እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን+ ንመበለታትን+ ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን፡+ ርእስኻ ድማ ካብ ርስሓት ዓለም ምሕላው።+