-
ሉቃስ 18:10-14መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
10 “ክልተ ሰብኡት፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣካብ ቀረጽ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። 11 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ከም ካልኦት ሰባት፡ ከም ዘረፍቲ፡ ከም ዓመጽቲ፡ ከም ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ኣካብ ቀረጽ እዚ እውን ስለ ዘይኰንኩ፡ አመስግነካ ኣለኹ። 12 ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ዘጥርዮ ኸኣ ዕሽር እህብ እየ።’+ 13 እቲ ኣካብ ቀረጽ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ንዓይ ንሓጥእ ራሕርሓለይ’* እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ኬልዕል እኳ ኣይደፈረን።+ 14 እብለኩም ኣለኹ፡ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪልዕል እዩ እሞ፡+ እዚ ሓለፋ እቲ ፈሪሳዊ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ወረደ።”+
-