-
1 ጢሞቴዎስ 6:3-5መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
3 ሓደ እኳ ኻልእ ትምህርቲ እንተ ምሂሩ፡ ምስቲ ኻብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጥዑይ* ትእዛዝን+ ምስቲ ንኣምላኽ ምስ ዘሎካ ተወፋይነት ዚሰማማዕ ትምህርትን ከኣ እንተ ዘይተሰማሚዑ፡+ 4 ንሱ ብትዕቢት እተነፍሐ ሓንቲ እኳ ዘይርዳእ እዩ።+ ብኽትዕን ብዛዕባ ቓላት ብምክርኻርን እውን ዝሓመመ እዩ።+ ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ሕሜት፡* ክፉእ ጥርጣረ፡ 5 እቶም ኣእምሮኦም እተበላሸወን+ ሓቂ ዝሓረሞምን ዚብልዎ መኘኽኘኽ ዚመጽእ። እዚኣቶም፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት መርብሒ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።+
-