ሮሜ 14:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ጊልያ ኻልእ እትፈርድሲ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧+ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይ ዚወድቕ።+ የሆዋ* ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደውሲ ኺብል እዩ። 2 ቈረንቶስ 5:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ በዚ ሰብነት እዚ ኸሎ ዝገበሮ፡ ጽቡቕ ወይስ ክፉእ፡ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ* ኣሎና።+