ማቴዎስ 28:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።+ ኤፌሶን 5:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ዘድሓኖ፡ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።+ ቈሎሴ 1:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ።+ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣+