ግብሪ ሃዋርያት 8:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ሳውል ግና ነታ ጉባኤ የጥፍኣ ነበረ። ናብ በቤት እናኣተወ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።+ ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ሳውል ግና ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ እናጠለቐሎምን ከም ዚቐትሎም እናፈከረን+ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ፡ 2 በታ መገዲ እቲኣ ዝረኸቦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽእ፡ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዚርከባ ምኵራባት ዚበጽሓ ደብዳበታት ካብኡ ለመነ።+ ገላትያ 1:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 መሸም፡ ቀደም ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡+ ንጉባኤ ኣምላኽ ኣመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከም ዘዕኖኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም።+
9 ሳውል ግና ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ እናጠለቐሎምን ከም ዚቐትሎም እናፈከረን+ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ፡ 2 በታ መገዲ እቲኣ ዝረኸቦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽእ፡ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዚርከባ ምኵራባት ዚበጽሓ ደብዳበታት ካብኡ ለመነ።+