ፊልጲ 2:29, 30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 እምበኣር፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ኣኽብርዎም፣+ 30 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ ኢሉ፡+ ስለ ዕዮ ክርስቶስ* ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ። 1 ጢሞቴዎስ 5:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ነቶም ብጽቡቕ ዚመርሑ ሽማግለታት፡+ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ፡+ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።+ እብራውያን 13:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ ዝነገሩኹም ዘክርዎም፣+ ኣካይዳኦም ዜምጽኦ ውጽኢት እናተቛመትኩም፡ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ።+
29 እምበኣር፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ኣኽብርዎም፣+ 30 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ ኢሉ፡+ ስለ ዕዮ ክርስቶስ* ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ።