ግብሪ ሃዋርያት 14:22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 ኣብአን ድማ ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” እናበሉን+ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ* ኣበራትዑ።+ ሮሜ 8:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ውሉዳት ካብ ኰንናስ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፣—ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ፡+—ምስኡ መከራ እንተ ጸጊብና፡+ ምስኡ እውን ክንከብር ኢና።+ 2 ጢሞቴዎስ 2:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 እንተ ተጻዊርና፡ ምስኡ እውን ክንነግስ ኢና፣+ እንተ ኽሒድናዮ፡ ንሱ እውን ኪኽሕደና እዩ፣+