ኢሳይያስ 45:22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን እሞ፡+ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዅላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ እሞ ድሓኑ።+ ግብሪ ሃዋርያት 17:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 ኣምላኽ ነቲ ግዜያት ድንቍርና ሸለል ኢልዎ እዩ፣+ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። ሮሜ 5:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 እምበኣር፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ እተዀነነ፡+ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡* ኵሉ ዓይነት ሰብ+ ንህይወት ይጸድቕ ኣሎ።+ 1 ጢሞቴዎስ 4:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡+ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን+ ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና።+