1 ጢሞቴዎስ 4:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።+ ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።+ 2 ጢሞቴዎስ 1:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ መለክዒ* እቲ ጥዑይ* ቃል፡+ በቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ዚርከብ እምነትን ፍቕርን ሓዞ።