መዝሙር 140:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ልሳኖም ከም ናይ ተመን ይስሕሉ፣+ብድሕሪ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።+ (ሴላ) ምሳሌ 12:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።+ ምሳሌ 18:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ኣፍ ዓሻ ጥፍኣቱ እዩ፣+ከናፍሩ ኸኣ መጻወድያ ህይወቱ* እየን።