ማቴዎስ 5:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 “ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ፡+ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። ግብሪ ሃዋርያት 5:41 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 41 ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ።+ 1 ጴጥሮስ 4:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ምእንቲ ስም ክርስቶስ ትጽረፉ እንተ ኣሊኹም፡ መንፈስ ክብሪ፡ እወ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይዓርፍ ኣሎ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+