12 እዚኣቶም ምሳኻትኩም ኣብ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ዚበልዑ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብኡ ኣኻውሕ፡+ ብዘይ ፍርሃት ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት፡+ ብንፋስ ናብዝን ናብትን ዚድፍኡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡+ ኣብ መወዳእታ ኣዝመራ ዘይፈርያን ክልተ ሳዕ ዝሞታን ካብ ሱረን እተመንቈሳን ኣእዋም እዮም፣ 13 ነውሮም ዜዕፍሩ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡+ ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም እተዓቝረሎም ኣንፈት ዘይብሎም ከዋኽብቲ እዮም።+