መዝሙር 37:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡+ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።+ ማቴዎስ 7:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ።+ ዮሃንስ 6:40 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 40 ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ፡+ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡+ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”