ማቴዎስ 5:21, 22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘ዚቐትል ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ ኣይትቕተል’+ ከም እተባህሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። 22 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ብሓዉ ተቘጢዑ+ ዚነብር ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ንሓዉ ብሕማቕ ቃል ዜዋርዶ ዘበለ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ‘ኣታ ዘይትረብሕ ዓሻ’ ዚብሎ ዘበለ ኸኣ፡ ንገሃነም* ሓዊ ኺፍረዶ ይኽእል እዩ።+ ኤፌሶን 4:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ኵሉ ምረትን+ ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን+ ኵሉ ኽፍኣትን+ ካባኻትኩም ይርሓቕ።
21 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘ዚቐትል ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ ኣይትቕተል’+ ከም እተባህሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። 22 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ብሓዉ ተቘጢዑ+ ዚነብር ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ንሓዉ ብሕማቕ ቃል ዜዋርዶ ዘበለ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ‘ኣታ ዘይትረብሕ ዓሻ’ ዚብሎ ዘበለ ኸኣ፡ ንገሃነም* ሓዊ ኺፍረዶ ይኽእል እዩ።+