ማቴዎስ 13:55 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 55 እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧+ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱኸ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ደይኰኑን፧+ ማርቆስ 6:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 እዝስ እቲ ጸራቢ+ ወዲ ማርያም፡+ ሓው ያእቆብን+ ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን+ ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚ ምሳናዶ የለዋን፧” ብእኡ ድማ ተዓንቀፉ። ገላትያ 2:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ነቲ እተዋህበኒ ጸጋ+ እውን ምስ ፈለጡ፡ እቶም ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ ያእቆብን+ ኬፋን* ዮሃንስን፡ ንዓይን ንበርናባስን+ ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ግዙራት ኪኸዱ፡ ስምረቶም* ንምግላጽ የማናይ ኢዶም ሂቦምና። ያእቆብ 1:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 1 ካብቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ዝዀነ ያእቆብ፡+ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ 12 ነገዳት፦ ሰላም።
9 ነቲ እተዋህበኒ ጸጋ+ እውን ምስ ፈለጡ፡ እቶም ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ ያእቆብን+ ኬፋን* ዮሃንስን፡ ንዓይን ንበርናባስን+ ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ግዙራት ኪኸዱ፡ ስምረቶም* ንምግላጽ የማናይ ኢዶም ሂቦምና።