ሉቃስ 8:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት ዘለዉ ድማ፡ እዚኣቶም ነቲ ቓል ብቕኑዕን ብጽቡቕን+ ልቢ ምስ ሰምዕዎ፡ ዚዓቝርዎ፡ ብተጻዋርነት ከኣ ፍረ ዚፈርዩ እዮም።+ ሉቃስ 21:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም።*+ 2 ጢሞቴዎስ 2:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 እንተ ተጻዊርና፡ ምስኡ እውን ክንነግስ ኢና፣+ እንተ ኽሒድናዮ፡ ንሱ እውን ኪኽሕደና እዩ፣+ እብራውያን 10:36 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 36 ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ።+ እብራውያን 12:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ከይትሕለሉንሲ፡*+ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ክንድዚ ዚኣክል ንጥቕሚ ርእሶም ዚጐድእ ተጻራሪ ዘረባ እተጻወረ ኣስተብህሉሉ።+