ዘዳግም 32:43 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 43 ሕነ ደም ገላዉኡ ኺፈዲ፡+ንተጻረርቱ ድማ ሕነ ኺፈዲ፡+ንምድሪ ህዝቡ ኸኣ ኬተዓርቓ* እዩ እሞ፡ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”+ ሮሜ 12:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ”* ጽሑፍ እዩ እሞ፡+ ነቲ ቝጥዓስ* ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።+ ራእይ 6:9, 10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት*+ እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝመስከርዎ ምስክርን እተሓርዱ፡+ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረኣኹ።+ 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ፡ “ኦ ቕዱስን ናይ ሓቅን+ ልዑላዊ ጐይታ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኻ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” እናበሉ ጨርሑ።+ ራእይ 19:1, 2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሓት ህዝቢ ዝኣመሰለ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “ንያህ ወድስዎ!*+ ድሕነትን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፣ 2 ከመይሲ፡ ፍርዱ ሓቅን ቅኑዕን እዩ፣+ ኣብታ ብምንዝርናኣ* ንምድሪ ዘበላሸወት ዓባይ ኣመንዝራ ድማ ፍርዱ ፈጺሙ እዩ፣ ንደም ባሮቱ እውን ካብ ኢዳ ፈድዩ እዩ።”+
9 ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት*+ እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝመስከርዎ ምስክርን እተሓርዱ፡+ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረኣኹ።+ 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ፡ “ኦ ቕዱስን ናይ ሓቅን+ ልዑላዊ ጐይታ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኻ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” እናበሉ ጨርሑ።+
19 ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሓት ህዝቢ ዝኣመሰለ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “ንያህ ወድስዎ!*+ ድሕነትን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፣ 2 ከመይሲ፡ ፍርዱ ሓቅን ቅኑዕን እዩ፣+ ኣብታ ብምንዝርናኣ* ንምድሪ ዘበላሸወት ዓባይ ኣመንዝራ ድማ ፍርዱ ፈጺሙ እዩ፣ ንደም ባሮቱ እውን ካብ ኢዳ ፈድዩ እዩ።”+