ዘዳግም
8 “ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን+ ምእንቲ ኽትበዝሑን ናብታ የሆዋ ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉን ምእንቲ ኽትርስተይዋን፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ። 2 የሆዋ ኣምላኽካ ትእዛዛቱ ትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኣብ ልብኻ ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጥ፡+ ትሕት ኬብለካን ኪፍትነካን ኢሉ፡+ ኣብዘን 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዘኸደካ ነዊሕ መገዲ ዘክር።+ 3 ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ ድማ፡+ ትሕት ኣበለካ፡ ኣጥመየካ፡+ ንስኻ ዘይፈለጥካዮን ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎን ማና ኸኣ ኣብልዓካ።+ 4 ኣብዘን 40 ዓመት፡ ክዳንካ ኣይበለየን፡ እግርኻ እውን ኣይሓበጠን።+ 5 ሰብ ንወዱ ኸም ዚእርሞ፡ ከምኡ የሆዋ ኣምላኽካ ይእርመካ ኸም ዝነበረ፡+ ብልብኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
6 “ብመገዱ ብምምልላስን ንዕኡ ብምፍራህን ከኣ፡ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ ሓሉ። 7 የሆዋ ኣምላኽካስ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፣+ ንሳ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት፡* ኣብ ጐልጐል ስንጭሮን ኣብ ኣኽራንን ዚውሕዝ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፡ 8 ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡+ ምድሪ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡+ 9 እንጌራ ዘይስኣናን ኣብኣ ገለ እኳ ዘይጐድለካን ምድሪ፡ ኣብ ኣእማና ሓጺን ዚርከበላ፡ ካብ ኣኽራና ድማ ነሓሲ እትዕድነላ ምድሪ እያ።
10 “ምስ በላዕካን ምስ ጸገብካን፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ስለታ ዝሃበካ ጽብቕቲ ምድሪ ወድሶ።+ 11 ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግታቱን ብዘይምሕላው፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸይትርስዖ ተጠንቀቕ። 12 ምስ በላዕካን ምስ ጸገብካን፡ ጽቡቓት ኣባይቲ ሃኒጽካ ድማ ምስ ተቐመጥካለን፡+ 13 ከብትኻን ጤለ በጊዕካን ከኣ ምስ ሰሰና፡ ብሩርካን ወርቅኻን ድማ ምስ በዝሐ፡ ኵሉ ኸኣ ኣኺሉ ምስ ተረፈካ፡ 14 ልብኻ ኣይተዓበ፡+ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣየረስዕካ፣+ 15 ንሱ በቲ መርዛማት ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎ፡ ማይ ዘይብሉ ኣጻምእ ዝዀነ ዓብይን ዜፍርህን በረኻ ዘኸደካ እዩ።+ ካብ ከውሒ ኣዝሒት ከኣ፡ ማይ ኣውጽኣልካ፣+ 16 ኣብ መጻኢ ኺጠቕመካ ኢሉ ትሕት ምእንቲ ኼብለካን+ ምእንቲ ኺፍትነካን ድማ፡+ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትካ ዘይፈልጥዎ ማና ኣብልዓካ።+ 17 ብልብኻ፡ ‘ሓይለይን ብርታዐ ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ገይሩለይ’ እንተ ኢልካ፡+ 18 ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳኑ ምእንቲ ኺፍጽሞ፡+ ሃብቲ ኽትገብር ሓይሊ ዝሃበካ የሆዋ ኣምላኽካ ምዃኑ ዘክር።+
19 “ንየሆዋ ኣምላኽካ እንተ ረሲዕካዮ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ኼድካን እንተ ኣገልጊልካዮምን እንተ ሰጊድካሎምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣለኹ።+ 20 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም የሆዋ ኻብ ቅድሜኹም ዜጥፍኦም ዘሎ ኣህዛብ፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።+