መዝሙር
መዝሙር። ማህሌት መመረቕታ እታ ቤት። ናይ ዳዊት።
2 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣነ ናባኻ ኣእውየ፡ ንስኻ እውን ኣሕዊኻኒ።+
ብህይወት ኣንቢርካኒ፣ ናብ ጕድጓድ* ከይወርድ ኣድሒንካኒ።+
ምሸት ብኽያት ኪኸውን ይኽእል፣ ንግሆ ግና እልልታ ይኸውን።+
6 ኣነስ ብራህዋይ፡
“ከቶ ኣይክናወጽን* እየ” ኢለ ነይረ።
7 ኦ የሆዋ፡ ሞገስካ* ምስ ረኸብኩ፡ ከም ከረን ኣደልዲልካኒ።+
ገጽካ ምስ ሓባእካ ግና፡ ተሸቢረ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እጽውዕ ኣለኹ፣+
ንየሆዋ ድማ ሞገስ እልምኖ ኣለኹ።
9 ናብ ጕድጓድ* እንተ ወሪደስ፡ ካብ ሞተይ* እንታይ ረብሓ ይርከብ፧+
ሓመድዶ ይውድሰካ እዩ፧+ ብዛዕባ ተኣማንነትካዶ ይነግር እዩ፧+
10 ኦ የሆዋ፡ ስማዕ እሞ ሞገስ ኣርእየኒ።+
ኦ የሆዋ፡ ረዳእየይ ኩን።+
ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ።