ኢሳይያስ
34 ኣቱም ኣህዛብ፡ ቅረቡ፣
ኣቱም ህዝብታት፡ ኣቕልቡ።
ምድርን ንዓኣ መሊእዋ ዘሎን፡
ዓለምን ኵሉ ፍርያታን ይስማዕ።
ኬጥፍኦም እዩ፣
ንማሕረዲ ኸኣ ኪህቦም እዩ።+
4 ኵሎም ሰራዊት ሰማያት ኪምህምኑ፡
ሰማያት ከኣ ከም ዚጥቕለል መጽሓፍ ኪጥቕለሉ እዮም።
ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡
ዝቐምሰለ በለስ ድማ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡
ኵሎም ሰራዊቶም ኪጽምልዉ እዮም።
5 “ሰይፈይሲ ኣብ ሰማያት ክትጥልቂ እያ።+
ኣብ ልዕሊ ኤዶም፡
ኣብ ልዕሊ እቲ ንጥፍኣት ዝመጦኽዎ ህዝቢ ኸኣ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።+
6 የሆዋስ ሰይፊ ኣላቶ፣ ብደም ክትዕለስ እያ።
የሆዋስ ኣብ ቦጽራ መስዋእቲ፡
ኣብ ምድሪ ኤዶም እውን ዓብዪ ማሕረዲ ኣለዎ።+
7 ጐባያት ምሳታቶም፡
ዝራብዓት ምስቶም ሓያላት ኪወርዱ እዮም።
ምድሮም ብደም ክትጥልቂ እያ፣
ሓመዶም ከኣ ብስብሒ ኺትርክስ እዩ።”
10 ለይቲ ዀነ መዓልቲ ኣይኪጠፍእን እዩ፣
ትካ ድማ ንዘለኣለም ኪዓርግ እዩ።
ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም እያ፣
ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ሓደ እኳ ብእኣ ኣይኪሓልፍን እዩ።+
11 ሓሓትን ቅንፍዝን ኪርስተይዋ፡
ነዊሕ ዝእዝኖም ጕንጓታትን ኳዃትን ኪነብርዋ እዮም።
ኣብ ልዕሊኣ ገመድ መለክዒ ባዶነትን
መለክዒ መንደቕ* ምብዳምን ኪዝርግሕ እዩ።
12 ካብቶም ልዑላታ ሓደ እኳ ንንግስና ኣይኪጽዋዕን እዩ፣
ኵሎም መሳፍንታ ድማ ከንቱ ኪዀኑ እዮም።
13 ኣብ እተዓርደ ግምብታታ እሾዅ፡
ኣብ ዕርድታታ ኸኣ ኣምዐን ኣሻዅ ተኽልን ኪበቍል እዩ።
14 ኣራዊት ምድረ በዳ ምስ ዚንቅዉ እንስሳታት ኪራኸቡ እዮም፣
ጤል በረኻ* ኸኣ ንብጸይታ ኽትጽውዕ እያ።
እወ፡ ኣብኣ ጭሩ ለይቲ ኽትሰፍርን መዕረፊ ኽትረክብን እያ።
15 ኣብኣ ተመን ፍላጻ ሰፈራ ኽትገብር፡ እንቋቝሖኣ ድማ ከተውድቕ እያ፣
ከተንቍሖምን ኣብ ጽላላ ኽትእክቦምን እያ።
እወ፡ ኣብኣ ሽላታት መምስ መዋስብተን ኪእከባ እየን።
16 ኣብ መጽሓፍ የሆዋ ድለዩን ዓው ኢልኩም ኣንብቡን፦
ኣፍ የሆዋ እዩ ኣዚዙ፡
መንፈሱ ኸኣ እዩ ኣኪብዎም እሞ፡
ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪጐድልን፡
ዋላ ሓዲኦም እውን መዋስብቲ ኣይኪስእንን እዩ።
17 ዕጫ ዘውደቐሎም* ንሱ እዩ፣
ኢዱ ድማ ነታ እተመደበትሎም ቦታ ለኪዓታ እያ።
ንሓዋሩ ኺርስተይዋ፡
ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።