25 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
ብእምነትን+ ብተኣማንነትን
ካብ ጥንቲ እተዓለመ+
ዜደንቕ ነገራት ጌርካ ኢኻ እሞ፡+
ልዕል አብለካ፡ ስምካ እውን እውድስ ኣለኹ።
2 ንኸተማስ ናብ ኵምራ ኣእማን፡
ንእተዓርደት ከተማ ድማ ናብ ዑና ቐይርካያ ኢኻ።
ግምቢ ጓኖት ደጊም ከተማ ኣይኰነትን፣
ከቶ እውን ዳግም ኣይክትህነጽን እያ።
3 ስለዚ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኬኽብረካ እዩ፣
ከተማ ጨቈንቲ ኣህዛብ ክትፈርሃካ እያ።+
4 ንትሑትሲ ዕርዲ፡
ንድኻ ብግዜ ጭንቁ ዕርዲ፡+
ካብ ሃጽፊ መዕቈቢ፡
ካብ ዋዒ ጸሓይ መጽለሊ ዄንካዮ ኢኻ።+
ሃፈጽታ ጨቈንቲ ኸምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ፡
5 ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዘሎ ዋዒ ኪኸውን ከሎ፡
ንያዕያዕታ ጓኖት ተህድኦ ኢኻ።
ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡
ከምኡ ኸኣ ደርፊ ጨቈንቲ ስቕ ይብል።
6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን+ እዚ ንዅሎም ህዝብታት፡
ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡
ብብሉጽን ብእተጻረየን ወይኒ
ድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡+
ድግስ ብሉጽ ወይኒ ገይሩሎም ኣሎ።
7 ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዅሎም ህዝብታት ኣጐልቢብዎም ዘሎ መግነዝ፡
ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ እተኣልመ መሸፈኒ ኼጥፍኦ እዩ።
8 ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ።+
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።+
የሆዋ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡
ጸርፊ ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቕ እዩ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡
“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!+
ብእኡ ተስፋ ጌርና፣+
ንሱ ኸኣ ኬድሕነና እዩ።+
እዚ የሆዋ እዩ!
ብእኡ ተስፋ ጌርና።
ብድሕነቱ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ኪብሉ እዮም።+
10 ከመይሲ፡ ኢድ የሆዋ ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዓርፍ እያ፣+
ከምቲ ሓሰር ምስ ኵምራ ድዅዒ ዚርገጽ፡
ሞኣብ ድማ ኣብ ቦታኡ ኺርገጽ እዩ።+
11 ከምቲ ሓምባሲ ኺሕምብስ ከሎ ኣእዳዉ ዚዝርግሕ፡
ኣእዳዉ ናብኡ ኺዝርግሕ፡
ኣእዳዉ ብኽእለት ብምንቅስቓስ ከኣ
ንትዕቢቱ ኼውርዶ እዩ።+
12 ነታ እተዓርደት ከተማ ድማ፡ ምስቲ ጽኑዕ ነዊሕ መካበብያኻ፡
ኬውርዳ እዩ፣
ናብ ምድሪ፡ ናብ ሓመድ ኬውድቓ እዩ።