እዝራ
1 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ፡+ እቲ ብኤርምያስ እተዘርበ ቓል የሆዋ+ ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሆዋ ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ ብዘላ መንግስቱ እቲ ብጽሑፍ እውን ዝሰፈረ ኸምዚ ዚብል ኣዋጅ ኪእውጅ ኣለዓዓሎ፦+
2 “ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ መንግስትታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ ኣሎ፣+ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ እውን መዚዙኒ ኣሎ።+ 3 ካብ ህዝቡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዘበለ፡ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ፣ ቤት እቲ ቤቱ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት* የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡—ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡—ዳግም ይህነጽ። 4 ጓና ዀይኑ ዚነብር ዘበለ፡+ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ጐረባብቱ* ብሩርን ወርቅን ጥሪትን ማልን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን መስዋእቲ ፍታውን ብምሃብ ይሓግዝዎ።’”+
5 ሽዑ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኰታስ እቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዘበሉ ዅሎም፡ ኪድይቡን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት የሆዋ ኺሃንጹን ተዳለዉ። 6 ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘይካ እቲ ዅሉ መስዋእቲ ፍታው፡ ኣቕሑ ብሩርን ወርቅን ጥሪትን ማልን ክቡር ነገራትን ብምሃብ ደገፍዎም።*
7 ንጉስ ቂሮስ ድማ ነቲ ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ኣውጽኦ።+ 8 ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ ነዚ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኦ፣ ንሱ ድማ ንሸሽባጻር* እቲ ሹም ይሁዳ ፈቒዱ ሃቦ።+
9 እቲ ፍቕዲ ኸኣ እዚ እዩ፦ 30 መሶብ ዝቕርጹ ኣቕሓ ወርቂ፡ 1,000 መሶብ ዝቕርጹ ኣቕሓ ብሩር፡ 29 ተለዋጢ ኣቕሓ፡ 10 30 ንእሽቶ ጭሔሎ ወርቂ፡ 410 ንእሽቶ ጭሔሎ ብሩር፡ 1,000 ካልእ ኣቕሑ። 11 ኵሉ እቲ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን 5,400 ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኸለዉ ድማ፡+ ሸሽባጻር ነዚ ዅሉ ኣደየቦ።