ኢሳይያስ
46 ቤል ይደንን፡+ ኔቦ ይጕምባሕ።
ጣኦታቶም ከምቲ ንድኹማት እንስሳታት ጾር ዝዀኖም ኣቕሑ፡
ኣብ እንስሳታት፡ ኣብ መጽዓኛታት ይጽዓኑ።+
4 ክሳዕ እትኣርጉ፡ ኣነ ወትሩ ኣነ እየ፣+
ክሳዕ እትሽይቡ፡ ክጾረኩም እየ።
ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ክስከመኩምን ክጾረኩምን ከናግፈኩምን እየ።+
6 ወርቂ ኻብ ማሕፉዳኦም ዜንበሽብሹ ኣለዉ፣
ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ።
ኣንጠረኛ ይቘጽሩ እሞ፡ ንሱ እውን ንዕኡ ኣምላኽ ይገብሮ።+
ድሕሪኡ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ ይድፍኡ፡ እወ፡ ይሰግዱሉ።+
7 ናብ መንኵቦም የልዕልዎ፣+
ጾይሮም ኣብ ቦታኡ የንብርዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ይቐውም።
ካብ ቦታኡ ኣይንቀሳቐስን።+
ናብኡ ይምህለሉ፡ ግናኸ ኣይምልሰሎምን፣
ንሓደ እኳ ኻብ ጭንቂ ኼናግፍ ኣይክእልን እዩ።+
8 እዚ ዘክሩ፡ ኣጆኹም።
ኣቱም ኣበስቲ፡ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ።
9 ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ፡ ካልእ እውን ከም ዘየልቦ፡
እቲ ዝቐደመ* ናይ ጥንቲ ዘክሩ።
ኣነ ኣምላኽ* እየ፡ ከማይ ዝበለ ኸኣ የልቦን።+
ተዛሪበ እየ፡ ከምጽኦ ድማ እየ።
ዓሊመ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።+
12 ኣቱም ተረርቲ ልቢ፡*
ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሓቕኩም፡ ስምዑኒ።
ንጽዮን ድሕነት፡ ንእስራኤል ከኣ ግርማይ ክህብ እየ።”+