ዘፍጥረት
45 ሽዑ፡ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ፡ ርእሱ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን።+ ዓው ኢሉ ኸኣ፡ “ንዅሎም ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ” በለ። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ፡ መንነቱ ኼፍልጦም ከሎ፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ሰብ ምስኡ ኣይነበረን።+
2 ድምጹ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፣ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦን እውን ሰምዐት። 3 ዮሴፍ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧” በሎም። ኣሕዋቱ ግና ብሰንኩ ተደሚሞም ስለ ዝነበሩ፡ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። 4 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ።
ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።+ 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡+ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን። 6 ኣብዛ ምድሪ፡ ጥሜት ካብ ዚኸውን እዚኣ ኻልአይቲ ዓመት እያ፣+ ዘይሕረሰለን ወይ ዘይዕጸደለን ከኣ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። 7 ግናኸ፡ ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈልኩም፡+ ብዓብዪ ድሕነት ድማ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ቅድሜኹም ዝለኣኸኒ ኣምላኽ እዩ። 8 እምበኣር፡ ንፈርኦን ቀንዲ ኣማኻሪኡ፡* ንዅላ ቤቱ ጐይታ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ገዛኢ ክኸውን ዝሸመኒ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እምበር፡+ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ።
9 “ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ፡ ከምዚ በልዎ፦ ‘ወድኻ ዮሴፍ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገይሩ ሸይሙኒ ኣሎ።+ ናባይ ውረድ። ኣይትደንጒ።+ 10 ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ጤለ በጊዕካን ከብትኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ምድሪ ጎሼን ኣብ ጥቓይ ክትቅመጥ ኢኻ።+ 11 ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ፡+ ኣብኡ ኽምግበካ እየ። እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻን ቤትካን ዘሎካ ዅሉን ክትደኽዩ ኢኹም።”’ 12 ዝዛረበኩም ዘለኹ ኣነ ምዃነይ፡+ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ። 13 ስለዚ፡ ብዛዕባ ዅሉ ኣብ ግብጺ ዘሎኒ ኽብርን ብዛዕባ እቲ ዝረኣኹምዎ ዅሉን ንኣቦይ ንገርዎ። ንኣቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።”
14 ሽዑ፡ ንሓዉ ብንያም ሓቚፍዎ* በኸየ፣ ብንያም እውን ኣብ ክሳዱ በኸየ።+ 15 ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዓሞም፣ ድሕርዚ፡ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።
16 ኣብ ቤት ፈርኦን ድማ፡ “ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም” ዚብል ወረ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦንን ገላዉኡን ጽቡቕ ነበረ። 17 ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦ “ንኣሕዋትካ ኸምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ከምዚ ግበሩ፦ መጽዓኛታትኩም ጽዒንኩም ናብ ምድሪ ከነኣን ኪዱ፣ 18 ንኣቦኹምን ንቤተ ሰብኩምን ሒዝኩም ከኣ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ጸጽቡቑ ኽህበኩም እየ፣ ካብቲ ስቡሕ ክፋል እዛ ምድሪ እውን ክትበልዑ ኢኹም።’+ 19 ከምዚ ኢልካ ኽትነግሮም እውን እእዝዘካ ኣለኹ፦+ ‘ከምዚ ግበሩ፦ ንቘልዑኹምን ንኣንስትኹምን ካብ ግብጺ ሰረገላታት ውሰዱ፣+ ንኣቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ።+ 20 እቲ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ንብረትኩም ኣይትጨነቑ።’”+
21 ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፣ ዮሴፍ ከኣ ከም ትእዛዝ ፈርኦን፡ ሰረገላታት ሃቦም፣ ንመገዲ ድማ ስንቂ ሃቦም። 22 ንነፍሲ ወከፎም ለውጢ ኽዳውንቲ ሃቦም፣ ንብንያም ግና 300 ብሩርን ሓሙሽተ ለውጢ ኽዳውንትን ሃቦ።+ 23 ንኣቦኡ ድማ ጸጽቡቕ ነገር ግብጺ እተጻዕኑ ዓሰርተ ኣእዱግ፡ ንመገዲ ዚዀኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ቀለብን እተጻዕና ዓሰርተ ኣንስትዮ ኣእዱግ ለኣኸሉ። 24 ንኣሕዋቱ ኸኣ ሰደዶም፣ ምስ ነቐሉ ድማ፡ “ኣብ መገዲ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓራረቑ” በሎም።+
25 ካብ ግብጺ ደዪቦም ከኣ ናብ ምድሪ ከነኣን ናብ ኣቦኦም ያእቆብ መጹ። 26 ሽዑ፡ “ዮሴፍ ገና ብህይወት ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ዚገዝእ ዘሎ እውን ንሱ እዩ”+ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ግና ስለ ዘይኣመኖም፡ ልቡ ደንዘዘ።+ 27 እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎ፡ እቲ ኺመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ድማ ምስ ረኣየ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ። 28 እስራኤል ከኣ፡ “ይኣክል! ወደይ ዮሴፍሲ ገና ብህይወት ኣሎ! ቅድሚ ሙማተይ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ” በለ።+