ግብሪ ሃዋርያት
26 ኣግሪጳ+ ኸኣ ንጳውሎስ፡ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ፡ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኸምዚ ኢሉ ተማጐተላ፦
2 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ብኣይሁድ እተኸሰስኩሉ+ ነገር ብምምጓተይ፡ ንርእሰይ ሕጕስቲ ገይረ እየ ዝርእያ፣ 3 ምናዳ ንስኻ ንዅሉ ልምድን ክርክርን ኣይሁድ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዚ፡ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣለኹ።
4 “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ናብራ እኳ፡ ኵሎም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም፣+ 5 እቶም ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዚፈልጡኒ፡ ኪምስክሩ እንተ ደልዮምሲ፡ ከምቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና+፡ ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ ይፈልጡ እዮም።+ 6 ሕጂ ግና ስለቲ ኣምላኽ ንኣቦታትና ዘተስፈዎ ቓል ተስፋ+ ኣብ ፍርዲ ቘይመ ኣለኹ፣ 7 እቶም 12 ነገዳትና ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገልዎ፡* እዚ ቓል ተስፋ እዚ ኺፍጸም ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ኦ ንጉስ፡ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ እተኸሰስኩ።+
8 “ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ጌርኩም ትርእይዎ* ኣለኹም፧ 9 ኣነ እውን ምስ ስም የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይመስለኒ ነይሩ። 10 ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚ እየ ገይረ፣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ+ ድማ፡ ንብዙሓት ቅዱሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትየዮም፣+ ኪቕተሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰሚረ እየ። 11 ኣብ ኵሉ ምኵራባት ብዙሕ ሳዕ እናቐጻዕክዎም፡ እምነቶም ኪኽሕዱ ኸገድዶም ፈቲነ እየ፣ ኣዝየ ተሃንዲደዮም ስለ ዝነበርኩ፡ ክሳብ እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ከይደ ሰጒጐዮም እየ።
12 “እዚ እናገበርኩ፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣንን መዝነትን ተዋሂቡኒ፡ ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከለኹ፡ 13 ኦ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኪበርህ ከሎ ርእየ።+ 14 ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧ ንመጕጠዪ* ትረግሕ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ እዩ ዚገድደካ’ ዚብለኒ ድምጺ ሰሚዐ። 15 ኣነ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧’ ኢለ ሓቲተ። ጐይታ ኸኣ ከምዚ ኢሉኒ፦ ‘እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ። 16 ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል። ኣገልጋልን ምስክርን እቲ ብዛዕባይ ዝረኣኻዮን ገና ዘርእየካን ክትከውን ክሓርየካ ኢለ እየ እተገለጽኩልካ።+ 17 ካብዚ ህዝቢ እዝን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ዘለኹ ኣህዛብን ድማ ከናግፈካ እየ፣+ 18 ሕድገት ሓጢኣትን+ ኣብ መንጎ እቶም ብኣይ ብምእማኖም እተቐደሱ ኸኣ ርስትን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም፡+ ካብ ጸልማት+ ናብ ብርሃን፡+ ካብ ስልጣን ሰይጣን+ እውን ናብ ኣምላኽ ክትመልሶም ኢኻ።’
19 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለዚ፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን፣ 20 የግዳስ፡ ቅድም ነቶም ኣብ ደማስቆ+ ዝነበሩ፡ ደሓር ከኣ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ዝነበሩን ንኣህዛብን፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ነጊረዮም እየ።+ 21 ስለዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፡ ኪቐትሉኒ እውን ፈቲኖም።+ 22 ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ስለ ዝረኸብኩ ግና፡ ንንእሽቶን ንዓብይን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እምስክር ኣለኹ፣ ብዘይካ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ካልእ ሓንቲ እኳ ኣይበልኩን፣+ 23 እዚ ኸኣ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚጸግብ፡+ ካብ ምዉታት ቀዳማይ ኰይኑ ዚትንስእ ብምዃኑ+ እውን ነዚ ህዝቢ እዝን ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዚሰብኽ ዚብል እዩ።”+
24 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኺማጐት ከሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ “ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ! ብዙሕ ትምህርቲ የጸልለካ ኣሎ!” በሎ። 25 ጳውሎስ ግና፡ “ኦ ኽቡር ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ልብምናን ደኣ እዛረብ ኣለኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። 26 እዚ ኣነ ብትብዓት ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ እኳ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ እዚ ብሕቡእ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ገለ እኳ ኸም ዘይጠፍኦ እኣምን እየ።+ 27 ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ” በለ። 28 ኣግሪጳ ግና ንጳውሎስ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜስ ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” በሎ። 29 ጳውሎስ ከኣ፡ “እንተ ኣብ ሓጺር፡ እንተ ኣብ ነዊሕ ግዜ ንስኻ ጥራይ ዘይኰንካስ፡ ኵሎም እዞም ሎሚ ዚሰምዑኒ ዘለዉ እውን፡ ብዘይካ እዚ መቝሐይሲ፡ ከምዚ ኸማይ ኪዀኑ እየ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝምነ” በለ።
30 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ተንስአ፣ እቲ ሹምን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን እውን ከምኡ። 31 ካብኡ ኪኸዱ ኸለዉ ግና፡ “እዚ ሰብ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን” ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ።+ 32 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ “እዚ ሰብ እዚ ናብ ቄሳር ይግባይ እንተ ዘይብል ነይሩ፡ ኪፍታሕ ምተኻእለ” በሎ።+