ኤርምያስ
21 ንጉስ ጼዴቅያስ+ ንጳሽሑር+ ወዲ ማልክያን ንጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን፡ ንኤርምያስ ኪሓትትዎ ኢሉ ምስ ለኣኾም፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ። 2 ንሳቶም ድማ፡ “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ይዋግኣና ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ሕተተልና።+ ንሱ ኻባና ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ምናልባት የሆዋ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ይገብረልና ይኸውን” በልዎ።+
3 ኤርምያስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ንጼዴቅያስ ከምዚ በልዎ፦ 4 ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ነቲ ምስ ንጉስ ባቢሎንን+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ እቲ መካበብያ ኸቢቦምኹም ዘለዉ ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ዘለኹም ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ውግእ፡ ኣንጻርኩም እመልሶ* ኣለኹ። ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክእክቦ እየ። 5 ኣነ ባዕለይ ከኣ ብዝርግሕቲ ኢድን ብሓያል ቅልጽምን፡ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቝጥዓን ክዋግኣኩም እየ።+ 6 ንነበርቲ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ንሰብ ኰነ ንእንስሳ፡ ክወቅዕ እየ። ብብርቱዕ ለበዳ* ኸኣ ኪሞቱ እዮም።”’+
7 “‘“ድሕርዚ፡” ይብል የሆዋ፡ “ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንገላዉኡን ንህዝቢ እዛ ኸተማ እዚኣን፡—ነቶም ካብ ለበዳን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ዝተረፉ፡—ናብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ክህቦም እየ።+ ንሱ ድማ ብሰይፊ ኪቐትሎም እዩ። ኣይኪድንግጸሎምን፡ ኣይኪርሕርሓሎምን፡ ኣይኪምሕሮምን እዩ።”’+
8 “ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ። 9 እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚጸንሑ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪሞቱ እዮም። ወጺኡ ናብቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ከለዳውያን ኢዱ ዚህብ ዘበለ ግና፡ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ህይወቱ ድማ ምርኮኡ ኽትኰነሉ እያ።”’*+
10 “‘“ንጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ንመዓት፡ ገጸይ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ገይረ ኽጻረራ እየ”+ ይብል የሆዋ። “ንሳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ፡+ ንሱ ድማ ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።”+
11 “‘ንቤተ ሰብ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፦ ቃል የሆዋ ስምዑ። 12 ኣቱም ቤት ዳዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ንግሆ ንግሆ፡ ፍትሒ ኣውጽኡ፣
ብሰንኪ እኩይ ተግባራትኩም፡
ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ+
ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡
ነቲ ዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍዎ።”’+
13 ‘ኣቲ ኣብ ስንጭሮ፡*
ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ፡ እነኹ ኣንጻርኪ እየ’ ይብል የሆዋ።
‘ኣቱም፡ “መን ኣንጻርና ኺወርድ እዩ፧
‘ንዱራ ኸባርዖ፡
ንሱ ድማ ኣብ ዙርያኣ ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ።’”+