ህዝቅኤል
4 “ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሕጡብ ውሰድ፣ ኣብ ቅድሜኻ ድማ ኣንብሮ። ኣብኡ እውን ከተማ፡ ማለት የሩሳሌም፡ ቅረጸሉ። 2 ንዓኣ ኽበባ፡+ መንደቕ ከበባ ህነጸላ፡+ ዕርዲ ኸበባ ዀምረላ፡+ ኣንጻራ ሰፈራት ኣስፍረላ፡ ብመፍረስ መካበብያ እውን ክበባ።+ 3 መቕሎ ሓጺን ወሲድካ ድማ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ግበር፣ ክብብቲ ኸኣ ክትከውን እያ፣ ንስኻ እውን ክበባ። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት እዩ።+
4 “ሽዑ፡ ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፣ ንበደል ቤት እስራኤል ከኣ ኣብ ልዕሌኻ* ኣንብሮ።+ ብቝጽሪ እተን ብጐድንኻ በጥ እትብለለን መዓልትታት፡ በደሎም ክትጸውር ኢኻ። 5 ማዕረ እቲ ዓመታት በደሎም ከኣ 390 መዓልቲ ኽጽዕነካ እየ፣+ ንስኻ እውን በደል ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ። 6 ነዚ ድማ ክትፍጽሞ ኢኻ።
“ሽዑ፡ ንኻልኣይ ሳዕ ብየማናይ ጐድንኻ በጥ ክትብል ኢኻ፣ በደል ቤት ይሁዳ+ ኸኣ ን40 መዓልቲ ኽትጸውር ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት እየ ሂበካ ዘለኹ። 7 ገጽካ ምስቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካ፡ ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ከተብል፡+ ኣንጻራ ድማ ክትንበ ኢኻ።
8 “እንሆ፡ እተን መዓልትታት ከበባኻ ኽሳዕ እትፍጽም፡ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብቲ ሓደ ጐድንኻ ምእንቲ ኸይትግልበጥ፡ ብኣግማድ ክኣስረካ እየ።
9 “ንስኻ ኸኣ ስርናይን ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ብልቱግን ዓለስን ውሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ኸኣ ኣንብሮ፣ ንዓኻ እውን እንጌራ ግበሮ። ብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ በጥ እትብለለን መዓልትታት፡ ማለት 390 መዓልቲ፡ ንዕኡ ኽትበልዕ ኢኻ።+ 10 ኣብ መዓልቲ 20 ሲቃል* ምግቢ መዚንካ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣብ መምዱብ ግዜ ኽትበልዖ ኢኻ።
11 “ማይ ድማ ብመስፈሪ፡ ሻድሸይቲ ኣፍ ሂን፡* ክትሰቲ ኢኻ። ኣብ መምዱብ ግዜ ኽትሰትዮ ኢኻ።
12 “ከም ቅጫ ስገም ጌርካ ኸኣ ክትበልዖ ኢኻ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድማ ብዝነቐጸ ቐልቀል ሰብ ሓዊ ኣጒድካ ኽትስንክቶ ኢኻ።” 13 የሆዋ ኸኣ ኣስዒቡ፡ “እስራኤላውያን ኣብ መንጎ እቶም ኣነ ናብኦም ዝብትኖም ኣህዛብ በዚ ኸምዚ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም” በለ።+
14 ሽዑ ኣነ፡ “ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ከምኡስ ኣይኹን! ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኽሳዕ ሕጂ፡ ስጋ ሕሉቕ ወይ እተበትበተ ብምብላዕ ኣይረኸስኩን፣*+ ርኹስ* ስጋ እውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን” በልኩ።+
15 ስለዚ፡ “ሕራይ፣ ኣብ ክንዲ ቐልቀል ሰብ፡ ኩቦ ኸብቲ ኽትጥቀም ፈቒደልካ ኣለኹ፣ ብእኡ ጌርካ ድማ እንጌራኻ ኽትስንክት ኢኻ” በለኒ። 16 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ቀረብ ምግቢ ኣብ የሩሳሌም አቋርጽ ኣለኹ፣*+ ብብዙሕ ጭንቂ ኸኣ መቝነን እንጌራኦም ብሚዛን መዚኖም ኪበልዑ እዮም፣+ ብራዕዲ ድማ መቝነን ማዮም ብመስፈሪ ሰፊሮም ኪሰትዩ እዮም።+ 17 እንጌራን ማይን ስኢኖም፡ ብስምባድ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺጠማመቱን ብሰሪ ስሕተቶም ምእንቲ ኺምህምኑን፡ እዚ ኪኸውን እዩ።