መዝሙር
ናይ ዳዊት።
3 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧
እተቕልበሉኸ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧+
8 ንሳቶምሲ ብኣፎም ሓሶት ይዛረቡ፣
ብሓሶት ኪምሕሉ ኸኣ የማነይቲ ኢዶም የልዕሉ።*
9 ኦ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ።+
11 ካብ ኢድ ጓኖት፡
ካብቶም ብኣፎም ሓሶት ዚዛረቡ፡
ካብቶም ብሓሶት ኪምሕሉ የማነይቲ ኢዶም ዜልዕሉ ኣናግፈንን ኣድሕነንን።
12 ሽዑ፡ ኣወዳትና ኸምቲ ቐልጢፉ ዚበቍል ውልዶ ተኽሊ ኪዀኑ እዮም፣
ኣዋልድና ኸኣ ንቤተ መንግስቲ ኸም እተጸርበ ኣዕኑድ ኵርናዕ ኪዀና እየን።
13 ማዕከናትና ብዅሉ ዓይነት ፍረ ኺምላእ እዩ፣
ኣብ መሮር ዘለዋ መጓሰና ድማ ብኣሽሓትን ብኣእላፋትን ኪፋረያ እየን።
14 መላኣት ዝዀና ኣሓና ድንገት ኣይኪገጥመንን ወይ ኣይኬቘልዓን እየን፣
ኣብ ኣደባባያትና ኣውያት ኣይኪኸውንን እዩ።
15 ከምዚ ዚዀነሉ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!
የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!+