ኢሳይያስ
23 ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+
ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡+ ዋይዋይ በላ!
ወደብሲ ጠፊኡ እዩ፣ ኪእቶ ኣይከኣልን እዩ።
ካብ ምድሪ ኪቲም+ ተገሊጹሎም ኣሎ።
2 ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ስቕ በሉ።
እቶም ባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን+ መሊኦምኺ ኣለዉ።
4 ኣቲ ሲዶን፡ ኣቲ ዕርዲ ባሕሪ፡ ሕፈሪ፣
ባሕርስ ከምዚ ኢሉ እዩ፦
6 ናብ ተርሲስ ተሳገሩ!
ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ዋይዋይ በሉ!
7 እታ ኻብ ቀደም፡ ካብ ጥንቲ ፍስህቲ ዝነበረት ከተማኹምሲ እዚኣ ድያ፧
ኣእጋራ ኸኣ ኣብኡ ኽትነብር ናብ ርሑቕ ሃገራት ይወስዳኣ ነይረን።
10 ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ፈለግ ኒል ኴንኪ ምድርኺ ተሳገሪ።
11 ንሱ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡
ንመንግስትታት ድማ ኣናዊጽዎም ኣሎ።
የሆዋ፡ ዕርድታት ፊንቄ ኺጠፍእ ኣዚዙ ኣሎ።+
ተንስኢ፡ ናብ ኪቲም ተሳገሪ።+
ኣብኡ እኳ ዕረፍቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ” ድማ ይብል ኣሎ።
13 እንሆ፡ ምድሪ ከለዳውያን።+
እዚ ህዝቢ እዚ እዩ፡—ኣሶር+ ኣይኰነን፡—
እወ፡ ንሳቶም ስፍራ ነበርቲ ምድረ በዳ ገይሮምዋ።
14 ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡
ዕርድኽን ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።+
15 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጢሮስ ከም ዕድመ* ሓደ ንጉስ፡ ን70 ዓመት ክትርሳዕ እያ።+ ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ ከምቲ ኣብ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሃል ክትከውን እያ፦
16 “ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆ* ውሰዲ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ።
መሰንቆኺ ጽቡቕ ጌርኪ ውቕዒ፣
ምእንቲ ኺዝክሩኽስ፡
ብዙሕ ደርፍታት ድረፊ።”
17 ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ የሆዋ ንጢሮስ ቈላሕታ ኺገብረላ፡ ንሳ እውን ናብ ዓስባ ኽትምለስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ምስ ዘለዋ ዅለን መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ። 18 መኽሰባን ዓስባን ግና ንየሆዋ እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ዓስባ ነቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቕመጡ ስለ ዚኸውን፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚጸግቡ ምእንቲ ኺበልዑን ብሉጽ ክዳውንቲ ምእንቲ ኪኽደኑንሲ፡+ ኣይኪኽዘንን ወይ ኣይኪንበርን እዩ።