እዮብ
እራብ ክትወልድ ከላ ተዓዚብካዶ ትፈልጥ፧+
2 ንምብጻሕ ኣዋርሐን ትቘጽሮዶ፧
ነቲ ዚወልዳሉ ግዜኸ ትፈልጦዶ፧
3 ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፣
ጻዕረን ከኣ የብቅዕ።
4 መሓስአን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ድማ ይዓብያ፣
ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን።
ንኣግማድ ኣድጊ በረኻ ዝፈትሖኸ መን እዩ፧
6 ጐልጐል ምድረ በዳ ቤቱ፡
ምድሪ ጨው ከኣ መንበሪኡ ገይረዮ እየ።
7 ንህውከት ከተማ የባጭወሉ፣
ጭድርታ ዀብካቢ ድማ ኣይሰምዕን።
8 ዚበልዓሉ ቦታ ደልዩ ዅዶዅዶታት ይዘውር፣
ለምለም ተኽሊ እውን የናዲ።
ኣብ ደምበኻስ* ይሓድርዶ፧
10 ነግሒ ኼውጽኣልካ ኢልካስ ንጐባይ ብገመድ ትሕዞዶ፧
ወይስ ስንጭሮ ኺሓርሰልካ* ኢሉ ይስዕበካዶ፧
11 በቲ ብዙሕ ሓይሉ ተኣሚንካስ፡
ከቢድ ዕዮኻ ትገድፈሉዶ፧
12 እኽሊ* ኼእትወልካስ ትኣምኖዶ፧
ንሱኸ ናብ ዓውድኻ ይእክቦዶ፧
13 ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፣
መንገብገባን ክንቲታን ግና ምስ ናይ ራዛ ኺወዳደርዶ ይኽእል፧+
14 ንሳስ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ምድሪ ትሓድጎ፣
ኣብ ሓመድ እውን ተሙቖ።
15 እግሪ ኺጭፍልቖ፡
ወይ እንስሳ ዘገዳም ኪረግጾ ኸም ዚኽእል ትርስዕ።
16 ንደቃ ኸም ዘይናታ ትጭክነሎም፣+
ጻዕራ ኸንቱ ኸይከውን ኣይትፈርህን።
18 ብድድ ኢላ ኣኽናፋ ምስ ኣንገብገበት ግና፡
ንፈረስን ንተወጣሒኡን ትስሕቆም።
19 ንፈረስ ሓይሊ እትህቦ ንስኻ ዲኻ፧+
ንኽሳዱኸ ዘውዘው ዚብል ጕንጕነዶ ኣልቢስካዮ ኢኻ፧
20 ከም ኣንበጣ ኸተሰራስሮዶ ትኽእል፧
እቲ ግሩም ኵሪፍታኡ ዜሸብር እዩ።+
ብሰሪ ሰይፊ እውን ኣይምለስን።
23 ጕልድባ ኣብ ልዕሊኡ ጭዋሕዋሕ ይብል፣
ኲናትን መዝረቕን ማሕማሕ ይብል።
26 ተገዳር ሓረስታይ ናብ ላዕሊ ዚበርር፡
ኣኽናፉ ኸኣ ናብ ደቡብ ዚዝርግሕ ብኣእምሮኻ ድዩ፧
28 ኣብ ጸድፊ ዚሓድር፡
ኣብ ዕርዱ ኣብ ዓብዪ ኸውሒ* ዚቕመጥከ ብትእዛዝካ ድዩ፧