ኢሳይያስ
24 እንሆ፡ የሆዋ ነታ ምድሪ* ጥራያ ይገብራን የባድማን ኣሎ።+
2 ንዅሉ ሕደ ኪኸውን እዩ፦
እታ ፍርያም ምድሪ ትነቅጽን ትጽምሉን ኣላ።
ምርኡያት ህዝቢ እታ ምድሪ ይነቕጹ ኣለዉ።
6 ስለዚ፡ መርገም ነታ ምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፣+
እቶም ነበርታ ድማ በደልቲ እዮም።
ስለዚ፡ ነበርቲ እታ ምድሪ ነክዮም፡
ኣዝዮም ሒደት ሰባት ከኣ ተሪፎም ኣለዉ።+
9 ብዘይ ደርፊ፡ ወይኒ ይሰትዩ፡
ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ንዚሰትይዎ ይመርሮም።
10 እታ እተጠንጠነት ከተማ ፈሪሳ፣+
ሓደ እኳ ኸይኣቱስ፡ ኵሉ ቤት ተዓጽዩ እዩ።
11 ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ጐደናታት ይጭድሩ ኣለዉ።
ኵሉ ታሕጓስ ጠፊኡ ኣሎ፣
ሓጐስ እታ ምድሪ ርሒቑ ኣሎ።+
12 እታ ኸተማ ዓንያ ተሪፋ፣
እቲ ኣፍ ደገ ተሰባቢሩስ ኵምራ ዑናታት ኰይኑ ኣሎ።+
14 ድምጾም ኬልዕሉ፡
እልል እውን ኪብሉ እዮም።
ካብ ባሕሪ* ብዛዕባ ግርማ የሆዋ ኺእውጁ እዮም።+
ዚብል መዝሙራት ካብ ወሰናት ምድሪ ንሰምዕ ኣለና።
ኣነ ግና፡ “ማህሚነ፡ ማህሚነ!
ወይለይ! እቶም ጠለምቲ ይጠልሙ ኣለዉ፣
እቶም ጠለምቲ ብጥልመት ይጠልሙ ኣለዉ” እብል ኣለኹ።+
17 ኣታ ነባሪ እታ ምድሪ፡ ሽበራን ጐዳጕድን መጻወድያታትን ይጽበየካ ኣሎ።+
18 ካብ ደሃይ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡
ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።+
ከመይሲ፡ መሳዅቲ ላዕሊ ኪኽፈት፡
መሰረታት እታ ምድሪ እውን ኬንቀጥቅጥ እዩ።
20 እታ ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡
ከም ጎጆ ብንፋስ ድማ ሰሰው ትብል ኣላ።
ኣበሳኣ ኸቢድዋ ኣሎ፣+
ክትወድቕ፡ መሊሳ እውን ኣይክትትንስእን እያ።
21 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ቘላሕታኡ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ላዕሊ ሰራዊት ኪገብር፡
ኣብ ምድሪ ናብ ዘለዉ ነገስታት ምድሪ እውን ኪገብር እዩ።
22 ከምቲ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ዚእከቡ፡
ብሓባር ኪእከቡ፡
ኣብ ቤት ማሕቡስ ከኣ ኪዕጸዉ እዮም፣
ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ቈላሕታ ኺግበረሎም እዩ።