መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።*
58 ስቕ ኢልኩም ከለኹምሲ፡ ብዛዕባ ጽድቂ ኽትዛረቡዶ ትኽእሉ ኢኹም፧+
ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ብቕንዕናዶ ኽትፈርዱ ትኽእሉ ኢኹም፧+
5 ንሱ ኸኣ፡ ክእለት ስራዮም ብዘየገድስ፡
ድምጺ ዓዘምቲ ኣይሰምዕን።
6 ኦ ኣምላኽ፡ ኣስናኖም ካብ ኣፎም ኣርግፍ!
ኦ የሆዋ፡ ምንጋጋ እዞም ሽደናት ኣናብስ ስበር!
7 ከም ዚጽንቀቕ ማያት ይጥፍኡ።
ቀስቱ ገቲሩ ብፍላጻታቱ የውድቆም።
8 ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚሓቅቕ ኣረነ፡
ከምቲ ጸሓይ ዘይርኢ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።
9 ዋዒ እቲ እተኣጕደ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ናብ ቍራዓትኩም ቅድሚ ምብጻሑ፡
ንሱ ኸም ህቦብላ፡ ነቲ ጥሉልን ዚነድድን ቀሸም ይምንዝዖ።+
11 ሽዑ፡ ሰባት፡ “ንጻድቕ ብርግጽ ዓስቢ ኣለዎ።+
ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ ብሓቂ ኣሎ” ኺብሉ እዮም።+