ራእይ
15 ኣብ ሰማይ ድማ ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ፡ ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ረኣኹ።+ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብእኡ ኺፍጸም እዩ እሞ፡ እዚ እቲ ዳሕረዋይ እዩ።+
2 ምስ ሓዊ እተሓወሰ ኸም መረጼን ዚመስል ባሕሪ ኸኣ ረኣኹ፣+ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን+ ነቲ ቝጽሪ ስሙን+ ዝሰዓሩ፡+ መሰንቆታት* ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መረጼን ደው ኢሎም ረኣኹ። 3 መዝሙር ሙሴ+ እቲ ባርያ ኣምላኽን መዝሙር እቲ ገንሸልን*+ ከምዚ እናበሉ ዘመሩ፦
“ኣታ ዅሉ እትኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ።+ ኣታ ንጉስ ዘለኣለም፡+ መገድታትካ ቕኑዕን ሓቅን እዩ።+ 4 ኦ የሆዋ፡* ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ እሞ፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን እዩ፧+ ቅኑዕ ትእዛዛትካ ተጋሂዱ እዩ እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ኪመጹን ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን እዮም።”+
5 ድሕርዚ ድማ ረኣኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር+ ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት፣+ 6 እቶም ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፡+ ጽሩይ ብሩህ በፍታ ተኸዲኖም፡ ዕጣቕ ወርቂ ድማ ኣብ ኣፍ ልቦም ተዓጢቖም ካብታ መቕደስ ወጹ። 7 ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኣምላኽ ዝመልአ ሸውዓተ ጭሔሎ ወርቂ ሃቦም።+ 8 እታ መቕደስ ድማ ካብ ክብርን ሓይልን ኣምላኽ እተላዕለ ብትኪ መልአት፣+ እቲ ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሸውዓተ መዓት+ ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ሓደ እኳ ናብታ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።