ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። ማህሌት።
65 ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ጽዮን ውዳሰ ይጽበየካ ኣሎ፣+
መብጽዓታትና ኽንፍጽመልካ ኢና።+
2 ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።+
3 ኣበሳይ ዓብሊሉኒ፣+
ንስኻ ግና ንጥሕሰትና ኸዲንካዮ።+
4 እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብር
እትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ።+
በቲ ኣብ ቤትካ፡
ኣብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ+ እንረኽቦ ጽቡቕ ነገር ክንዓግብ ኢና።+
5 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡
ብዜፍርህ ግብርታት ጽድቂ ኽትምልሰልና ኢኻ፣+
ንዅሉ ወሰናት ምድርን
ነቶም ኣብ ርሑቕ ስግር ባሕሪ ዘለዉን እምንቶኦም ኢኻ።+
6 ንኣኽራን ብሓይልኻ ኣጽኒዕካዮ፣
ብርታዐ ድማ ተኸዲንካ ኣለኻ።+
7 ንዚናወጽ ባሕርታት፡+
ንዚጻፋዕ ማዕበላትን ንህውከት ኣህዛብን ተህድኦ።+
8 ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ብትእምርትታትካ ኺድነቑ እዮም፣+
ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ምዕራብ ጸሓይ ዘለዉ እልል ከተብሎም ኢኻ።
9 ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡
ብብዝሒ እተፍርን ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።+
ካብ ኣምላኽ ዚውሕዝ ርባ ብማይ ዝመልአ እዩ፣
ንምድሪ በዚ ኸምዚ ኣዳሊኻያ ኢኻ እሞ፡
እኽሊ ተዳልወሎም።+
10 ንነግሕታታ ማይ ተጽግቦ፡ ንእተሓርሰ ሓመዳ ትምድምዶ።
ብዝናም ተለስልሳ፣ ንብቋልያኣ ትባርኾ።+
11 ንዓመት ብሕያውነትካ ኣኽሊል ትደፍኣላ፣
ኣሰርካ ብበረኸት ይጅርብብ።+
12 ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ይዕምር፣+
ኵድዅዶታት ድማ ሓጐስ ይለብስ።+
13 መጓሰዪታት ብመጓሰ ይኽደን፣
ስንጭሮታት ከኣ እኽሊ ይለብስ።+
ጭድርታ ዓወት ይጭድሩ፡ እወ፡ ይዝምሩ።+