ዘሁልቍ
27 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ ነበረ። 2 ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን ከምዚ በላ፦ 3 “ኣቦና ኣብ በረኻ እዩ ሞይቱ፣ ግናኸ፡ ብሓጢኣቱ ደኣ እዩ ሞይቱ እምበር፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣንጻር የሆዋ እተኣከቡ ደገፍቲ ቆራሕ ኣይነበረን፣+ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። 4 ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ዓሌቱ ዚጠፍእ፧ ኣብ መንጎ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና።” 5 ሙሴ ድማ፡ ነቲ ነገረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቦ።+
6 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 7 “ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ቕኑዕ እዩ። ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፣ ርስቲ ኣቦአን ድማ ናባታተን ኣሕልፎ።+ 8 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብ፡ ወዲ ኸይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። 9 ጓል እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ርስቱ ንኣሕዋቱ ሃብዎም። 10 ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ፡ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም። 11 ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ነቲ ዝቐረበ ዘመዱ ሃብዎ፡ ንሱ ድማ ይረስተዮ። እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእስራኤላውያን ብፍርዲ ዝቘመ ሕጊ ይኹን።’”
12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብዚ ኸረን ዓባሪም ደይብ፡+ ነታ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ኸኣ ርኣያ።+ 13 ምስ ረኣኻያ፡ ከምቲ ሓውካ ኣሮን እተኣከበ፡+ ንስኻ እውን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ።*+ 14 ከመይሲ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ምሳይ ምስ ተቛየቘ፡ ብዛዕባ እቲ ማይ ኣብ ቅድሚኦም ከይትቕዱሱኒ ኻብ ትእዛዘይ ዓሊኹም ኢኹም።+ እዚ ኣብ ቃዴስ+ ኣብ በረኻ ጺን+ ዚርከብ ማይ መሪባ+ እዩ።”
15 ሙሴ ድማ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 16 “የሆዋ፡ እቲ ኣምላኽ መንፈስ ኵሉ ሰብ፡* ኣብ ልዕሊ እቲ ኣኼባ ሰብኣይ ይሽም፣ 17 ኣኼባ የሆዋ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ዚኣቱን ዚወጽእን፡ ዜውጽኦምን ዜእትዎምን ይኹን።” 18 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ውሰዶ እሞ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 19 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ድማ ደው ኣብሎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ መዝዞ።+ 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺሰምዖ፡+ ገለ ኻብ ስልጣንካ* ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 21 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ብፍርዲ ኡሪም+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚሓትተሉ ኻህን ኣልኣዛር ደው ኪብል እዩ። ብትእዛዙ ኺወጹ፡ ብትእዛዙ ኸኣ ኪኣትዉ እዮም፣ ማለት ንሱን ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ምስኡን ኵሉ እቲ ኣኼባን።”
22 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ንእያሱ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ደው ኣበሎ፡ 23 ኣእዳዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ፣ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ ድማ መዘዞ።+