150 ንያህ ወድስዎ!+
ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ወድስዎ።+
ኣብ ጠፈር ብርታዐኡ ወድስዎ።+
2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ወድስዎ።+
ስለቲ ብሉጽ ዕቤቱ ወድስዎ።+
3 ብደሃይ መለኸት+ ወድስዎ።
ብበገናን ብመሰንቆን+ ወድስዎ።
4 ብኸበሮን+ ብሳዕስዒት ክብን ወድስዎ።
ብኣውታርን+ ብሻምብቆን+ ወድስዎ።
5 ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ወድስዎ።
ሽዋሕ ብዚብል ጸናጽል ሸሓኒ+ ወድስዎ።
6 ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ፡ ንያህ ይወድሶ።
ንያህ ወድስዎ!+