ሮሜ
13 ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን* ይገዝኣዮም፣+ እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን* ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም።+ 2 ስለዚ፡ እቲ ንብዓል ስልጣን ዚቃወም፡ ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ፣ እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ኣብ ርእሶም ፍርዲ ኼምጽኡ እዮም። 3 ከመይሲ፡ እቶም ገዛእቲ፡ ክፉእ ንዚገብሩ እምበር፡ ሰናይ ንዚገብሩ ኣየፍርሁን እዮም።+ ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሰናይ ግበር፡+ ንሱ እውን ኪንእደካ እዩ፣ 4 ንሱስ ንሰናይካ ኢሉ ዝቘመ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ። ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ክፉእ ትገብር እንተ ኣሊኻ ግና፡ ፍራህ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብቶም ክፉእ ዚገብሩ፡ ቍጥዓ ንምግላጽ* ዚኸውን ፈዳይ ሕነ እዩ።
5 ስለዚ፡ ስለ ሕልና ኢልኩም እምበር፡ ስለ ቝጥዓ ኢልኩም ጥራይ ኣይኰነን ክትግዝኡ ዚግብኣኩም።+ 6 ምእንቲ እዚ ኸየብኰሩ ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ* እዮም እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ግብሪ እትኸፍሉ ዘለኹም። 7 ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡+ ቀረጽ ንዚግብኦ ቐረጽ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡+ ክብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ፡+ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
8 እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡+ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም።+ 9 እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ኣይትተምነ”+ ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”+ ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። 10 ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣+ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ።+
11 ድሕነትና ኻብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ይቐርብ እሞ፡ ድሮ ኻብ ድቃስ እትበራበሩላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት፡+ እዋኑ ስለ እትፈልጥዎ፡ ከምኡ ግበሩ። 12 ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ እውን ቀሪባ እያ። እምበኣር፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፡+ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።+ 13 ብፈንጠዝያን* ስኽራንን፡ ብብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ንውርምናን፡*+ ብባእስን ቅንእን ዘይኰነስ፡+ ከም ብመዓልቲ ብኣደብ ንመላለስ።+ 14 ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡+ ትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ።+