እዮብ
ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ።
ብመሪር ጭንቀይ* ክዛረብ እየ!
2 ንኣምላኽ ከምዚ እብሎ ኣለኹ፦ ‘በዳሊ ኢልካ ኣይትዀንነኒ።
ስለምንታይ ትብኣሰኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።
4 ኣዒንቲ ስጋዶ ኣሎካ እዩ፧
ከምቲ መዋቲ ሰብ ዚርእዮ ጌርካዶኸ ትርኢ ኢኻ፧
8 ኣእዳውካ እየን ዝቐረጻንን ዝገበራንን፣+
ሕጂ ግና ፈጺምካ ተጥፍኣኒ ኣለኻ።
10 ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፧
ከም ኣጅቦዶኸ ኣየርጋእካንን፧
11 ቈርበትን ስጋን ኣልቢስካኒ፣
ብኣዕጽምትን ብጅማውትን ከኣ ኣሊምካኒ።+
13 ግናኸ፡ ብሕቡእ እዚ ኽትገብር ሓሊንካ።*
እዚ ኻባኻ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
14 እንተ ዝሓጥእ፡ ምተቛመትካኒ፡+
ካብ ስሕተተይ ከኣ ናጻ ኣይምገበርካንን።
15 በዳሊ እንተ ዀይነ፡ ወይለይ!
16 ርእሰይ እንተ ዘልዕል፡ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፣+
ኣንጻረይ ከኣ ሓይልኻ መርኣኻ።
17 ሓደስቲ መሰኻኽር ኣንጻረይ መምጻእካ፣
ሽግር ድሕሪ ሽግር ኣብ ልዕለይ እናኣምጻእካ፡
ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕካዮ።
18 ስለምንታይ ደኣ ኻብ ማሕጸን ኣውጺእካኒ፧+
ዓይኒ ኸይረኣየትኒ እባ ሞይተ እንተ ዝኸውን፣
19 ሽዑ፡ ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ ነይረ፣
ካብ ማሕጸን ከኣ ብቐጥታ ናብ መቓብር ምወረድኩ ነይረ።’