እዮብ
33 “ሕጂ ግና፡ ኦ እዮብ፡ ዘረባይ ስማዕ፣
ንዅሉ እቲ ዝብሎ ድማ ጽን በል።
2 በጃኻ እሞ ርአ! ኣፈይ ክኸፍት እየ፣
ልሳነይ* እውን ክትዛረብ እያ።
3 ቃላተይ ካብ ቅንዕና ልበይ እዩ ዚመጽእ፣+
ከናፍረይ ከኣ ዝፈልጦ እየን ብቕንዕና ዚነግራ።
5 እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፣
ኣብ ቅድመይ ቌምካ መጐተኻ ኣቕርብ።
6 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከማኻ እየ፣
ኣነ እውን ካብ መሬት እየ ተቐሪጸ።+
7 ስለዚ፡ ንዓይ ፈሪህካ ኽትሽበር የብልካን፣
ካባይ ዚመጽእ ጸቕጢ እውን ኪኸብደካ የብሉን።
8 ግናኸ፡ እናሰማዕኩኻ ኸምዚ ኢልካ፡
እወ፡ እዚ ቓላት እዚ ሰሚዐ እየ፦
10 ኣምላኽ ግና ንምጽራረይ ምኽንያት ይረክብ፣
ከም ጸላኢኡ እውን ይርእየኒ።+
11 ንኣእጋረይ ኣብ ጕንዲ የእትወን፣
ንዅለን መገድታተይ ከኣ ይቋመተን።’+
12 እዚ ብምባልካስ ቅኑዕ ኣይኰንካን እሞ፡ ክምልሰልካ እየ፦
ኣምላኽ ካብ መዋቲ ሰብ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ።+
13 ስለምንታይ ኢኻ እተማርሮ፧+
ንዘረባኻ ስለ ዘይመለሰልካ ዲኻ፧+
14 ኣምላኽሲ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፣
ዜቕልብ ግና የልቦን።
19 ሰብ ኣብ ዓራቱ ብስቓይን
ብቐጻሊ ጭንቂ ኣዕጽምቱን እውን ይግናሕ።
20 ሽዑ፡ ህይወቱ ንእንጌራ፡
ነፍሱ እውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።+
21 ዘይርአ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይምህምን፣
እቲ ሕቡእ ዝነበረ ኣዕጽምቱ ይወጽእ።*
በጃ ረኺበ ኣለኹ!+
27 እቲ ሰብ እቲ ንሰባት ከምዚ ይብሎም፦*
29 እወ፡ ኣምላኽ ንሰብ እዚ ዅሉ፡
ክልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ይገብረሉ።
31 ኦ እዮብ፡ ኣቕልብ! ስምዓኒ!
ስቕ በል እሞ፡ ክዛረብ።
32 እትብሎ እንተ ኣልዩካ፡ መልሰለይ።
ቅኑዕ ምዃንካ ኸረጋግጽ እደሊ እየ እሞ፡ ተዛረብ።
33 እትብሎ እንተ ዘይብልካ ግና፡ ስምዓኒ፣
ስቕ በል እሞ፡ ክምህረካ።”