መዝሙር 113 ንያህ ወድስዎ!* ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ፣ስም የሆዋ ወድሱ። 2 ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡ስም የሆዋ ይወደስ።+ 3 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡*ስም የሆዋ ይወደስ።+ 4 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣+ክብሩ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።+ 5 ከምቲ ኣብ ላዕሊ* ዚቕመጥየሆዋ ኣምላኽና ዝበለ መን እዩ፧+ 6 ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኪርኢ ይደንን እሞ፡+ 7 ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ንድኻ ኻብ ኵምራ ሓምዅሽቲ* የልዕሎ፣+ 8 ምስ ልዑላን፡ምስ ናይ ህዝቡ ልዑላን ከኣ የቐምጦ፣ 9 ንመኻን ሕጕስቲ ኣደ ቘልዑ ገይሩቤት ይህባ።+ ንያህ ወድስዎ!*