መዝሙር
94 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሕነ፡+
ኦ ኣምላኽ ሕነ፡ ብራህ!
2 ኦ ፈራዲ ምድሪ፡ ተንስእ።+
ንዕቡያት ዚግብኦም ፍደዮም።+
3 ኦ የሆዋ፡ እኩያት ክሳዕ መዓስ፡
እኩያት ክሳዕ መዓስ ኪፍስሁ እዮም፧+
4 ብትምክሕቲ ይልፍልፉን ይዛረቡን፣
ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ብርእሶም ይጅሃሩ።
5 ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ይጭፍልቕዎ፣+
ንርስትኻ እውን ይጭቍንዎ።
6 መበለትን ጓናን ይቐትሉ፣
ዘኽታማት እውን የጥፍኡ።
8 ኣቱም ዘይትሓስቡ፡ እዚ ተረድኡ፣
ኣቱም ዓያሹ፡ መዓስ ኢኹም ልቦና ኽትገብሩ፧+
9 እቲ እዝኒ ዝተኸለስ፡ ኣይሰምዕንዶ፧
እቲ ዓይኒ ዝገበረኸ፡ ኣይርእንዶ፧+
10 እቲ ንኣህዛብ ዚእርምሲ፡ ኣይገንሕንዶ፧+
ንህዝቢ ፍልጠት ዚምህር ንሱ እዩ!+
11 የሆዋ፡ ሓሳባት ሰብ
ትንፋስ ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።+
12 ኦ ያህ፡ ንስኻ እትእርሞ፡+
ካብ ሕግኻ እውን እትምህሮ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+
13 ንዕኡስ ብመዓልትታት መዓት ከተህድኦ ኢልካ፡
ንእኩይ ጕድጓድ ክሳዕ ዚኵዓት ትምህሮ።+
15 ፍርድስ ከም ብሓድሽ ቅኑዕ ኪኸውን እዩ፣
ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ ኪስዕብዎ እዮም።
16 ኣንጻር እኩያትሲ መን ኪትንስኣለይ እዩ፧
ኣንጻር ገበርቲ ኽፉእከ መን ደው ኪብለለይ እዩ፧