መዝሙር
መስኪል።* ኣብ በዓቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ዳዊት።+ ጸሎት።
142 ብድምጸይ ናብ የሆዋ እምህለል፡+
ብድምጸይ ንየሆዋ ሞገስ እልምኖ ኣለኹ።
2 ኣብ ቅድሚኡ ሻቕሎተይ አፍስስ፡
ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባ ጭንቀይ እነግር ኣለኹ።+
ኣብታ ዝኸዳ መገዲ፡
መጻወድያ ይሓብኡለይ።
ዝሃድመሉ ቦታ የብለይን።+
ብዛዕባይ* ዚሓስብ ሓደ እኳ የልቦን።
5 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እምህለል ኣለኹ።
6 ኣዝየ ተዋሪደ እየ እሞ፡
ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ።
ካባይ ይሕይሉ እዮም እሞ፡
ካብ ሰጐጕተይ ኣናግፈኒ።+
7 ስምካ ኽውድስሲ፡
ካብ ቤት ማሕቡስ ኣውጽኣኒ።*
ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡
ጻድቃን ኣብ ዙርያይ ይተኣከቡ።