ሆሴእ
2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ።
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬተንስኣና እዩ።
ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክንነብር ኢና።
3 ንየሆዋ ኽንፈልጦ፡ ንምፍላጡ ተሃንጢና ኽንደልዮ ኢና።
ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣
ከም ዝናም፡
ከምቲ ንምድሪ ዜርዊ ዝናም ጽብሓት ኪመጸና እዩ።”
4 “ኣታ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧
ኣታ ይሁዳ፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧
ብተኣማንነት እተርእይዎ ፍቕርኹምሲ ኸም ደበናታት ንግሆ፡
ከምቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ።
ፍርድታትካ ድማ ከም ብርሃን ኪበርህ እዩ።+
7 ንሳቶም ግና፡ ከም ሰብ፡ ኪዳን ጥሒሶም እዮም።+
ኣብኡ ጠሊሞምኒ እዮም።
9 እቶም ጕጅለ ኻህናት ከም ዘመትቲ ጭፍራታት ንሰብ የድብዩሉ።
ተግባሮም ዜሕፍር እዩ እሞ፡
ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ።+
10 ኣብ ቤት እስራኤል ዜሰክሕ ነገር ርእየ ኣለኹ።
11 ንምሩኻት ህዝበይ ምስ መለስክዎም፡
ኣታ ይሁዳ፡ ንዓኻ እውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”+