ኤርምያስ
24 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ምስቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መሳፍንቲ ይሁዳን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ናብ ምርኮ ምስ ወሰዶ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተነብራ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ፣ 2 እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዚበስል በለስ ዝበለ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፣ እታ ሓንቲ መሶብ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።
3 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “በለስ፣ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፣ እቲ ሕማቕ በለስ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ” በልኩ።+
4 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 5 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም ካብዛ ቦታ እዚኣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምዚ ጽቡቕ በለስ እዚ፡ ጽቡቕ ገይረ ኽርእዮም እየ። 6 ንጽቡቖም ድማ ኣዒንተይ ኣባታቶም ክገብር፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ክመልሶም እየ።+ ክሃንጾም እምበር፡ ኣይከፍርሶምን እየ፣ ክተኽሎም እምበር፡ ኣይክምሕዎምን እየ።+ 7 ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡኒ ኸኣ ልቢ ኽህቦም እየ።+ ብዅሉ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡+ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+
8 “‘ብዛዕባ እቲ ኻብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ግና፡+ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝተረፉን ነቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚቕመጡ ዘለዉን ከምኡ ገይረ ኽርእዮም እየ።+ 9 ኣብ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንመሰክሕን ንመዓትን ኪዀኑ፡+ ኣብ ኵሉ እቲ ኣነ ዝብትኖም ቦታታት+ ድማ ንመጻረፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመራገምን+ ክገብሮም እየ። 10 ካብታ ንዓታቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብክዎም ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ሰይፍን+ ጥሜትን ለበዳን*+ ክሰድደሎም እየ።”’”