ዘጸኣት
11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ልዕሊ ፈርኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕሪኡ፡ ካብዚ ኺሰድደኩም እዩ።+ እኳ ደኣስ ኪሰድደኩም ከሎ፡ ኪሰጕጐኩም እዩ።+ 2 ሕጂ ኸኣ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ከካብ ጐረቤቶም ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ኪልምኑ ተዛረቦም።”+ 3 የሆዋ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ገላዉ ፈርኦንን ኣብቲ ህዝብን ኣዝዩ ኽቡር ነበረ።
4 ሙሴ ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ፡ ናብ ማእከል ግብጻውያን ክወጽእ እየ፣+ 5 ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ መጥሓን እትሕዝ ገረድ፡ ኵሉ በዅሪ እንስሳ እውን ኪመውት እዩ።+ 6 ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ፡ ከምኡ ዝበለ ኸቶ ዘይኰነ፡ መሊሱ ኸኣ ዘይከውን ብርቱዕ ኣውያት ኪኸውን እዩ።+ 7 የሆዋ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኪፈሊ ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ከልቢ እኳ ናብ እስራኤላውያን፡ ናብ ሰቦም ወይ ናብ ማሎም ኣይኪነብሕን* እዩ።’+ 8 ኵሎም ገላዉኻ ድማ ብርግጽ ናባይ ኪወርዱ፡ ‘ንስኻ ምስ ኵሉ እቲ ዚስዕበካ ህዝቢ ኺድ’+ እናበሉ ድማ ኪሰግዱለይ እዮም። ድሕርዚ፡ ክወጽእ እየ።” ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ወጸ።
9 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕ፡+ ፈርኦን ኣይኪሰምዓኩምን እዩ”+ በሎ። 10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ፡ እዚ ዅሉ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበሩ፣+ የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፣ ንሱ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኣይሰደዶምን።+